AmkA.Info Online – መምርሒ ንሓበሬታ፡ ናብ ማእከላት ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት

ምዝገባን መንበሪን

Print

ኣብ ፍራንክፈርት ምስ በጻሕካ ብዙሕ ስራሕ ክህልወካ እዩ። ንኣብነት፤ ኣብታ ከተማ ክትምዝገብ ወይ ንዝተፈላለዩ ሰነዳት ከተመልክት ክትግደድ ኢኻ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ናብ ፍራንክፈርት ሕጂ እንተግዒዝካ

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ብኣካል ኣብ Bürgeramt (ቤት ጽሕፈት ዜጋታት) ተመዝገብ። ነዚ ንምግባር እዞም ዝስዕቡ ከድልዩኻ እዮም፤

  • ክትርከበሉ እትኽእል ኣድራሻ
  • መረጋገጺ ካብ ዋና ገዛኻ ወይ መናብርትኻ። ብቋንቋ ጀርመን እዚ "Wohnungsgeberbestätigung" ይበሃል።
  • ናይ መንነት ሰነድካ (ፓስፖርት ወይ መንነት ወረቐት)

ኣድራሻታትን ናይ ስራሕ ሰዓታትን ናይ ኩለን ኣብ ከባቢኻ ዝርከባ Bürgerämter (ቤት ጽሕፈታት ዜጋታት) ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/buergeraemter

ቅጥዕታት ኣውሪድካ ብኢንተርነት ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/buergeraemter/terminservice

ብዛዕባ ምምዝጋብ፡ ካብ ምዝገባ ምውጋድ ወይ ዳግማይ ምምዝጋብ መንበሪ ገዛ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/abmeldungen-ummeldungen-anmeldungen

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝመጻእካ እንተዘይኮይንካ

ካብ ካልእ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ዝመጻእካ እንተዘይኮይንካ፡ ኣብ Ausländerbehörde (ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት) ክትምዝገብ ኣለካ። ምስ መንበሪ ገዛ ንዝተኣሳሰር ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት ምሉእ ሓላፍነት ኣለዎ።

ኣድራሻን ናይ ስራሕ ሰዓታትን ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/auslaenderbehoerde

ንመንበሪ ፍቓድካ ንምምልካት ወይ ንምሕዳስ ቅጥዕታት ከተውርድ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት፤
www.frankfurt.de/auslaenderbehoerde/formulare

ንኹሉ ነገር ባዕልኻ ናብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት ክትከይድ ኣየድልየካን እዩ። ብዛዕባ’ዚ ዝያዳ ኣብ "Kontaktinformationen Ausländerbehörde" (ናይ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት ርክብ ሓበሬታ) ብቋንቋታት ዓረብ፡ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳን ቱርኪን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/auslaenderbehoerde/kontaktinformationen

ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ወጻእተኛታት ንብዙሓት ሕቶታትካብመስመር ኢንተርነት ክምልሰልካ ይኽእል እዩ። መልሲ ናይቶም ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት ብቋንቋታት ዓረብ፡ ቦዝንያ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ሂንዲ፡ ሰርብያ፡ ስጳኛን ቱርኪን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፤
www.frankfurt.de/auslaenderbehoerde/faq

ምስ መንግስታዊ በዓል መዚ ኣብ ምርኻብ ሓገዝ ዘድልየካ እንተድኣ ኮይኑ

ገሊኦም ፊደላት ንምርዳእ ኣጸጋሚ ክኾኑ ይኽእሉ። ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ መመልከቲ ከመይ ጌርካ ከም እትመልእ ዘይትፈልጥ ክትከውን ትኸውን ኢኻ። ሓገዝ ንምርካብ ክትሓቶም ትኽእል ብዙሓት ናይ ምኽሪ ማእከላት ኣለዉ፥

  • Allgemeine Sozialberatung des Internationalen Familienzentrums e. V. (ሓፈሻዊኣገልግሎት ማሕበራዊ ምኽሪ ናይ ኣህጉራዊ ማእከል ስድራቤት) ብቋንቋታት ቦዝንያ፡ ጀርመን፡ ክሮኤሽያ፡ ፖላንድ፡ ሰርብያን ቱርኪን፤
    www.ifz-ev.de/migrationsberatung
  • ማሕበራዊ ምኽሪ ኣገልግሎት ካሪታስ፤
    www.caritas-frankfurt.de/sozialberatung
  • Lese- und Schreibservice der ASB Lehrerkooperative (ኣገልግሎት ንባብን ምጽሓፍን ASB ሕብረት ስራሕ መምህራን)፤
    www.lehrerkooperative.de/lese-schreibservice
  • Christen helfen ዝቐረበ መምርሒ ንወግዓውያን ሰበስልጣን ፍራንክፈርት ዌስት፡፤
    www.stiftung-christenhelfen.de/behoerdenlotsen
  • ማእከላት ምኽሪ ስደት ንዓበይቲ/እኹላት፡ ንዕድመ 27 ዓመት ልዕሊኡን፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት ስደት መንእሰያትን ካብ 12 ክሳብ 26 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፡ ብብዙሕ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ደገፍ ይህቡ። ኩሉ ዘድልየካ መራኸቢታት ኣብቲ "እንቋዕ ናብ ፍራንክፈርት ኣም ማይን ብደሓን መጻእኩም" ዝብል በራሪ ወረቐት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።
    www.amka.de/flyer-willkommen

ብዛዕባ መንበሪ ገዛኻ ጸገም ወይ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ

ብነጻ-ናይ መጀመርታ ሕጋዊ ገምጋም ኣብዚ ክትረክብትኽእል ኢኻ-፤

  • Goethe Uni Law Clinic ብቋንቋ ኣልባንያ፡ ኣምሓርኛ/ትግርኛ፡ ዓረብኛ፡ ቡልጋርያኛ፡ ቻይናዊ፡ ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፋርሲ/ዳሪ፡ ፈረንሳ፡ ኩርዲ፡ ሩስያ፡ ሶማል፡ ስጳኛን ቱርኪን፤
    www.jura.uni-frankfurt.de/beratungsangebot
  • Frankfurter Rechtshilfekomitee für Ausländer e.V. (ኮሚተ ሕጋዊ ሓገዝ ፍራንክፈርት ንወጻእተኛታት ዜጋታት)፤
    www.rechtshilfekomitee.de/flyer.pdf
  • Verband binationaler Familien und Partnerschaften e.V. (ማሕበር ካብ ክልተ ሃገር ዝውለዱ ስድራቤታትን ምሕዝነትን)፤
    www.verband-binationaler.de/infos-fuer-ratsuchende
  • "Der Laden" ማእከል ኣማኻሪ ስደተኛታት፤
    www.der-laden-frankfurt.de

ዱልዱንግ ኣለካ ድዩ

ንናይ ዕድል መንበሪ ፍቓድ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ዝምልከት ዝተወሰኑ ረቛሒታት ኣለዉ። ናይ መንበሪ ዕድል እንተረኺብካ ን18 ኣዋርሕ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቀዋሚ መሰል መንበሪ ንምርካብ ኩሉ ቅድመ ኩነት ከተማልእ ትኽእል ኢኻ።
www.amka.de/chancen-aufenthalt

ኣብ መስርሕ ሕቶ ዑቕባኻ ሓገዝ ዘድልየካ እንተኾይኑ

ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ዲኻ ትነብር፧ ስለዚ ነቶም ሓላፍነት ዝስከሙ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ሕተት። ኣብዚ እውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

  • Amnesty International Asylberatung (ምኽሪ ንሓተቲ ዑቕባ) ብቋንቋ ዓረብ፡ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፋርሲ/ዳር፡ ፈረንሳ፡ ኩርዲ፡ ሩስያን ቱርኪን፤
    www.amnesty-frankfurt.de/flyer_asylum.pdf
  • Pro Asyl. ምኽሪ ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት፤
    www.proasyl.de/asylberatung/
  • Besonderer Dienst 4 des Jugend- und Sozialamts (ብቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝወሃብ ፍሉይ ኣገልግሎት) ናይ ከተማ ፍራንክፈርት፤
    www.frankfurt.de/fluechtlinge-und-auswaertige

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 - 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

ዝኾነ ሕቶ ኣለካ ዶ፧

115 ናይ መንግስታዊ ሰበስልጣን ቁጽሪ ተሌፎን እዩ። ብዛዕባ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳር ከባቢ ፍራንክፈርት ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልዉኻ በዚ ቁጽሪ ደውል፡ (069) 115

ምኽርታት

ብተወሳኺ፡ ናብ ገርመን ምስ ኣተኻ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ዝመክር መምርሒ ተኸተል.
www.amka.de/wegweiser/tipps

ናብ ምምረጺ ኣርእስቲ ተመለስ።