AmkA.Info Online – መምርሒ ንሓበሬታ፡ ናብ ማእከላት ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት

ምኽርታት

Print

ኣብዚ ገጽ ብብዙሓት ቋንቋታት ተወሰኽቲ ምኽርታት ክትረክብ ኢኻ። እቶም መላግቦታት ናብ ብሮሹራት፡ ቪድዮታት፡ ሓቅታት ወረቓቕቲ ወይ ፖርታላት ኣብዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ክመርሑኻ እዮም፤

ኣብ ጀርመን ምስ ኣተኻ ኩሉ ክትፈልጦ ዘለካ

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ጀርመን ዝኣተኻ እንተኾይንካ፡ BAMF (ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ስደትን ስደተኛታትን) ዝብል ብሮሹር፡ ንምጅማር ክትፈልጦ ዘለካ ክሕብረካ እዩ፤ ብዓረብኛ፣ ቡልጋርያኛ፣ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፋርሲ፣ ፈረንሳይኛ፣ ግሪኽኛ፣ ጣልያንኛ፣ ሮማንያኛ፣ ፖላንድኛ፣ ፖርቱጋልኛ፣ ሩስያኛ፣ ስጳኛን ቱርኪኛን፤
www.bamf.de/willkommen-in-deutschland

Make it in Germany ዝብል ፖርታል ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ብቋንቋታት ጀርመን፡ ፈረንሳን ስጳኛን ሓበሬታ ይህብ፤

  • ምስራሕ ኣብ ጀርመን
  • መጽናዕትን ስልጠናን
  • ቪዛን መንበሪን
  • ናብራ ኣብ ጀርመን

ሓጺር ጽማቕ ናይዚ ሓበሬታ ንፍሉያት ሃገራት ብብዙሓት ካልኦት ቋንቋታት ይርከብ።
www.make-it-in-germany.com

BAMF ዝተዳለዉ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ብቋንቋ ዓረብ፡ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ሩስያን ቱርኪን ምስ መሰረታዊ ሕጊ (ቅዋም ጀርመን) የላልየካ፥
www.bamf.de/unser-grundgesetz

ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ኩሉ ክትፈልጦ ዘለካ

መንበሪ ገዛ ከመይ ጌርካ ክትረክብ ዘኽእል ምኽርታት ኣብ Handbook Germany ብዓረብኛ፡ ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፋርሲ፡ ፈረንሳ፡ ፓሽቶን ሩስያንክትረክብ ትኽእል ኢኻ
www.handbookgermany.de

ኣፓርታማ ክትካረ ትደሊ ዲኻ፧ Verbraucherzentrale (ማእከል ምኽሪ ተጠቀምቲ) ከመይ ጌርካ ከም እትሰርሖ ምኽርታት ዝሓዘ ዝርዝር መፈተሺ ኣዳልዩ ኣሎ። ብቋንቋ ዓረብ፡ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፋርሲን ሩስያን፤
www.verbraucherzentrale.de/mehrsprachige-infos-fuer-fluechtlinge

ኣብ ጀርመን ጎሓፍ ምፍላይ ኣገዳሲ እዩ። ጽሬት ከባቢኻ ንምሕላው ጎሓፍካ ፈላሊ። FES Frankfurter Entsorgungs- und Service GmbH ነዚ ብኸመይ ብግቡእ ክትገብሮ ከምትኽእል ብዓረብኛ፣ ቡልጋርያኛ፣ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፈረንሳይኛ፣ ፖላንድኛ፣ ሮማንያኛ፣ ሰርብያኛ፣ ስጳኛን ቱርኪን ይገልጽ፤
www.fes-frankfurt.de/was_kommt_wo_hinein

ብዙሕ/ዓበይቲ ጎሓፍ እውን ፀገም እዩ። ብዙሕ/ዓበይቲ ጎሓፍ ማለት ክትድርብዮም እትደሊ ዓበይቲ ነገራት ከም ኣረጊት አቑሑ ገዛ ማለት እዩ። ኣብቲ ናይ FES ወረቐት ሓበሬታ ብዓረብኛ፣ ቡልጋርያኛ፣ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፈረንሳይኛ፣ ፖላንድኛ፣ ሮማንያ፣ ሰርብያኛ፣ ስጳኛን ቱርኪን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.fes-frankfurt.de/spermuellwertstoffhoefe.pdf

እቲ ብዙሕ/ዓበይቲ ጎሓፍካ ብኢንተርነት ከተመዝግቦ ትኽእል ኢኻ፤
www.fes-frankfurt.de/sperrmuell

ብዛዕባ ህይወት ኣብ ጀርመን ኩሉ ክትፈልጦ ዘለካ

Handbook Germany ብዛዕባ ኣበል ወለዲ፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪና፡ ስርዓት ዩኒቨርሲቲ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ጀርመን፡ ስርዓት ምርጫ፡ ስርዓት ግብሪን ካልእ ብዙሕን ዝምልከት ብዙሕ ሓበሬታ ዝሓዘ ቪድዮታት ኣለውዎ። ብዓረብኛ፡ ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፋርሲ፡ ፈረንሳ፡ ፓሽቶን ሩስያን

Verbraucherzentrale (ማእከል ምኽሪ ተጠቀምቲ) ብዙሓት ነገራት ከቃልለልካ ዝኽእል ዝርዝር መፈተሺ ይቕርብ። ንኣብነት፥ ከመይ ጌርና ናይ ባንክ ሕሳብ ንኸፍት፣ ጸዓት ንቑጥብ ወይ ንሞባይል ውዕል ንፍርም። ብቋንቋ ዓረብ፡ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፋርሲን ሩስያን።
www.verbraucherzentrale.de/mehrsprachige-infos-fuer-fluechtlinge

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 212 4 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤
amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።