AmkA.Info Online – መምርሒ ንሓበሬታ፡ ናብ ማእከላት ምኽሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት

ግዜ ዕረፍትን ባህልን

Print

ኣብ ፍራንክፈርት ብዙሓት ባህላዊ ንጥፈታት ኣለዉ። ኣብዚ ኣብ ናጻ ግዜኻ ብዙሕ ክትገብሮ ትኽእል ነገራት ኣሎ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ኣብ ናጻ ግዜኻ ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸብን ክትዛረብን ትደሊ ዲኻ፧

ናብ ንስደተኛታትን ንዝኾነ ኣብ ፍራንክፈርት ዝነብር ሰብን ዝቕበሉ ካፈታት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እዚኦም ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸብን ክትዘራረብን እትኽእለሎም ካፈታት እዮም። መርበብ ሓበሬታ Frankfurt hilft ዝርዝር ናይ ኩለን ኣብ ዝተፈላለየ ኣውራጃታት ፍራንክፈርት ስደተኛታት ዝቕበላ ካፈታት ኣለዎ፤
www.frankfurt-hilft.de/begegnungscafes

ኣብ ናጻ ግዜኻ ምስ ካልእ ሰብ ዝኾነ ነገር ክትገብር Start with a friend ተጠቐም። እዚ ድማ ታንደም ይበሃል። ካልኦት ሰባት ክትላለየሉ እትኽእል ንዓኻ ዝምጥን ክለብ እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
www.start-with-a-friend.de

ማሕበር Über den Tellerrand ሰባት ብሓባር ዝሰርሕሉን ካልእ ነገራት ዝገብሩሉን ስሩዕ ምሸታት የዳሉ፤
www.ueberdentellerrand.org

ስነ ጥበብን ባህልን ክትድህስስ ትደሊ ዲኻ፧

መሰረታዊ ሓገዛት ትረክብ ኣለኻ ዲኻ፧ እንተድኣ ትረክብ ኣለኻ Kulturpass ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። Kulturpass ብሓንቲ ዩሮ ጥራይ ናብ ብዙሓት ቤተ መዘክር ወይ ትያትራት የእትወካ። ኣብ Schauspiel Frankfurt፡ Oper Frankfurt፡ ከምኡ'ውን Alte Oper ብ3 ዩሮ ናብ ምርኢታት ክትከይድ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ን Kulturpass ኣበይ ከም እተመልክትን እንታይ ዓይነት ቅድመ-ምድላዋት ከም ዘለዉን ኣብዚ ርአ፤
www.kulturpass.net

እቲ ብ ቤተ መዘክር ፍራንክፈርት ዝካየድ ናይ Satourday መደብ፡ ስድራቤታት ኣብ መወዳእታ ቀዳም ናይቲ ወርሒ ናብ ቤተ መዘክር ብነጻ ናይ ምእታው ዕድል ይህብ። እዚ ንኣየኖት ቤተ መዘክር ከም ዝምልከት ብኢንተርነት ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ። ሓበሬታ ብቋንቋ ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ከምኡ’ውን ንምርድኡ ቀሊል ብዝኾነ ጀርመን ይቐርብ፤
www.museumsufer.de/satourday

ምስ KUFTI (ባህልን ትርፊ ግዜን ትኬት) ካብ Kulturamt (ክፍሊ ባህሊ) ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናትን መንእሰያትን ንብዙሓት ምርኢታትን መካነ እንስሳታትን ብነጻ ክበጽሑ ይኽእሉ።
www.kufti.de

KulturPortal ናይ ከተማ ፍራንክፈርት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ብዙሓት ትካላት፡ ቅድመ-ምድላዋትን ምስ ስነ-ጥበብን ባህልን ዝተኣሳሰሩ ፍጻሜታትን ይህብ።
www.kultur-frankfurt.de

ናብ ጽቡቕ ቦታታት ክትከይድን ነጻ ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ክትረክብንትደሊ ዲኻ፧

ኣብ መርበብ ሓበሬታ Elterninformation (ሓበሬታ ወለዲ) ቆልዑን ምሉእ ስድራቤትን ኣብ ናጻ ግዜኦም እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ሓሳባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
www.amka.de/ihr-kind-moechte-der-freizeit-neues-kennenlernen 

ኣብዚ ካብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝመጹ ሓሳባትን ቅድመ-ምድላዋትን እውን ኣለዉ፤

ፍራንክፈርት ገለ ዓበይቲ መናፈሻታትን ሰፊሕ ክፉት ሓምላይ ቦታታትን ኣለውዋ። ናብኡ ብነጻ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓምላይ ቦታታት ንምዝንጋዕን ትርፊ ግዜ ንምሕላፍን ንዝደሊ ሰብ ዝኾኑ ነገራት ኣለዉ፤
www.frankfurt.de/parks

ኣብ ብዙሓት ኣውራጃታት ፍራንክፈርት "ንኹሉ ክፉት ዝኾኑ መጻሕፍቲ" ኣለው። ኣብዚ መጽሓፍቲ ክትለዋወጥን ክትልቃሕን ብነጻ ክትወረኽበሉን እትኽእለሉ ቦታ እዩ፤
www.frankfurt.de/buecherschraenke

ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ቤተ መጻሕፍቲ ኣሎ። ኣብያተ-መጻሕፍቲ መጽሓፍቲ፡ ናይ-ድምጺ መጻሕፍቲ፡ ፊልምታት፡ ሙዚቃ፡ ጸወታታት፡ ኖታ ሙዚቃ፡ ጋዜጣታት፡ መጽሔታት፡ ዲጂታላዊ መራኸቢ ብዙሃንን ካልእ ተወሳኽን የለቅሑ እዮም፤
www.frankfurt.de/unsere-bibliotheken

በዓላት ፌስቲቫል ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ከተማ ይካየድ እዩ። እዞም በዓላት ብነጻ ኮይኖም ኩሎም ንኹሉ ዘአንግዱ እዮም፤
www.frankfurt.de/frankfurter-feste

ኣብ ሓጋይ ትያትር፣ ኮንሰርት፣ ንባባትን መዘናግዕን ዝጠቓለሉ ገለገለ ነጻ ባህላዊ በዓላት እውን ኣለዉ፤

ንህጻናትን ዓበይትን ዝኸውን ስፖርታዊ ንጥፈታት ትደሊ'ዶ፧

Sportkreis Frankfurt e. V. ንመላእ ስድራ ዝኸውን ብዙሕ ስፖርታዊ ንጥፈታት ኣለዎ። እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይካ ስፖርት ካልእ’ውን ዝሓቖፉ ኮይኖም ኩሎም ብሓባር ምምሃር፡ ናይ ሓባር ስራሕን ኣዕሩኽ ምፍጣርን ዓላማ ዝገበሩ እዮም። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፥
www.sportkreis-frankfurt.de

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ (069) 212-4 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

ምኽሪ: Beratung vor Ort

ህጻናትን መንእሰያትን ካብቲ ናይ ትምህርትን ተሳትፎን ፓኬጅ (Bildung und Teilhabe, BuT) ገንዘብ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ተጠቒሞም ኣብ ማሕበራውን ባህላውን ፍጻመታት ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ "BuT" ጥቕምታት ሓበሬታ ካብ Jugend- und Sozialamt (ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ማሕበራዊ ድሕነትን) ኣብ stadtRAUM frankfurt ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኪድ ጥራይ! ኩሎም ዕለታትን ሓበሬታን፤
www.amka.de/bildungs-und-teilhabepaket

ቤተ መዘክር ፍራንክፈርት ብዝሐ-ቋንቋታት

ብ "Kultüröffner: Museum" ቤተ መዘክራት ፍራንክፈርት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትድህስስ ትኽእል ኢኻ፤
www.amka.de/kultueroeffner