ክንክን ህጻናት፤ ቤት ትምህርቲ፤ ምዕባይ ቆልዑ ፤ ትርፊ ግዜ

ሓበሬታ ንወለዲ

Print

(© Jeannette Petri)

ብዛዕባ ናይ ክንክን ህጻናት፤ ናይ ቤት ትምህርቲ፤ ናይ ትምህርትን ናይ ትርፊ ግዜን ሓበሬታ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ?

እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝስዕብ ነገራት ዝያዳ ክሕብረካ ኢዩ፤

  • ኣብ ጀርመን ቤት ትምህርቲ ከመይ ይሰርሕ።
  • ከመይ ጌርካ ንውላድካ ትከናኸኖ።
  • ንውሉድካ ናይ ገዛ ትምህርቲ ከመይ ጌርካ ክምትረኽበሉ።
  • ከመይ ጌርካ ገንዘብ ትረክብ ንኣብነት ንናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ ወይ ምሳሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ።
  • ኣብ ፍራንክፈርት ምስ ስድራኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል።

ተወሳኺ ምኽሪ ክትረኽበሉ እትኽእል ርክብ ሰብን ኣድራሻታትን እውን ክትረክብ ኢኻ።

ንገጻት ኢንተርነት ዝወስድ መላግቦታት ብመሰረት እቲ ኣርእስቲ ኣዳሊናልካ ኣለና፤ ውላድካ ሕጂ ድዩ ትምህርቲ ዝጅምር ዘሎ? ወይስ ውላድካ ትምህርቲ ክውድእ ቀሪቡ ኣሎ? ውላድካ ኣብ ትምህርቲ ሓገዝ የድልዮ ድዩ? ወይስ ውላድካ ሓሚሙ ኣሎ? ዘድልየካ ሓበሬታ ብቕልጡፍ ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ገለ መርበባት ሓበሬታ ተወሳኺ መላግቦታት ብዓረብኛ፤ እንግሊዝኛ፤ ቱርኪ ወይ ካልእ ቋንቋታት ኣለዎም። እዚ ሓበሬታ ብሓጸርቲ መግለጺታትና ኣብቲ ገጻት ተዋሂቡ ኣሎ።

እቲ ገጻት ኢንተርነት ብቋንቋ ጀርመን እዩ። ኣብያተ ትምህርቲ ወይ ሰበስልጣን ሓደ-ሓደ ግዜ ቋንቋ ጀርመን ይጥቀሙ ኢዮም እዚ ድማ ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ። ነዚ ቋንቋ ንምርዳእ ደገፍ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ሕተተና ጥራይ። ደስ እናበለና ክንሕግዘካ ኢና። በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ደውለልና፤

AmkA.Info ማእከል ምኽሪ
በዚ ዝስዕብ ደውለልና፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ወይ ድማ በዚ ዝስዕብ ብጽሓና Mainzer Landstraße 293፤ ሰኑይ፤ ሰሉስን ረቡዕን ካብ ሰዓት 11 ቅድሚ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ። ጀርመንኛን እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።

ኣብ ማእከላት ምኽሪ ስደተኛታት እውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ምኽሪ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ዝርዝር ናይተን ኣብ ፍራንክፈርት ዝርከባ ማእከላት ምኽሪ ስደተኛታት ኣብዚ ክትረክብ ኢኻ።
www.amka.de/flyer-willkommen

AmkA.Info Online - መምርሒ ብቋንቋኻ

ብዛዕባ መንበሪ ገዛ፤ ስራሕ፤ ጥዕና ወይ ትርፊ ግዜ፤ ከምኡ’ውን ባህሊ ኣብ ፍራንክፈርት ኤኤም ሜይን ሓበሬታ ትደሊ ዲኻ ዘለኻ? ኣብ መምርሒና ከም ኣገልግሎታት፤ ማእከላት ምኽሪ፤ ከምኡ’ውን ክትረኽቦም እትኽእል ሰባት ክትረክብ ኢኻ።
www.amka.de/wegweiser

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።