ሓበሬታ ንወለዲ

ቆልዓ ክትወልድ ትጽበ ዲኻ ዘለኻ

Print

ቆልዓ ምስ ወለድካ ብዙሕ ነገራት ሓደስትን ባህ ዘብሉን ይኾኑ። ብዙሕ ሓጋዚ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤

ብዛዕባ ጥንሲ ሕቶታት ኣለኩም ዶ?

ኣብ እዋን ጥንሲ ሕቶታት ወይ ጸገማት እንተሃልዩኪ፤ ኣገልግሎት ምኽሪ ጥንሲ ክሕግዘኪ ይኽእል እዩ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ኣብ Netzwerk Frühe Hilfen (ካብ ምጅማር ጥንሲ ክሳብ 3 ዓመት ንስድራቤታትን ህጻናትን ዝግበር ደገፍ) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፤
www.netzwerk-fruehe-hilfen-frankfurt.de/schwangerenberatung

ንመጀመርታ ግዜ ቆልዓ ክትወልድ ከለኻ ዝጠቕመካ ሓበሬታን ኣገልግሎትን ትደሊ ዲኻ ዘለኻ?

Kinderbüro Frankfurt ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ፤ ህይወት ምስ ህጻን ከመይ ከም ዝመስል ሓበሬታ ዝህብ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣለዎ። እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ማለት ብዓረብኛ፤ ጀርመንኛ፤ እንግሊዝኛ፤ ፈረንሳ፤ ፓሽቶ፤ ፖላንድኛ፤ ስጳኛ፤ ትግርኛን ቱርኪን ክትወርድ ትኽእል እያ።
www.kinderbuero-frankfurt.de

እቲ Wegweiser Frühe Hilfen መምርሒ ናይ ከተማ ፍራንክፈርት ኤኤም ሜይን ንነፍሰጾራትን ከምኡ ውን ካብ 0 ክሳብ 6 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘለዎም ስድራቤታትን ዝወሃብ ኣገልግሎት ይዝርዝር፤
www.frankfurt.de/wegweiser-fruehe-hilfen

ናይ Kinderschutzbund e.V.'s ናይ ዕሸላት መምርሒ ኣብ ኩሉ ሕቶታት ብዛዕባ ህይወት ምስ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ብልዕሊ 20 ቋንቋታት ደገፍ ይህቡ። ኣብ እዋን ጥንሲ ነቲ ሓባሪ ህጻናት ክትረኽቢ ትኽእሊ ወይ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዘለኽሉ እዋን እቲ ሓባሪ ንክወሃበኪ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኻ። ኣብ ኩለን ኣብ ፍራንክፈርት ዝርከባ ናይ ወሊድ ክሊኒካት ሓበርቲ ህጻናት ኣለዉ፤
www.babylotse-frankfurt.de

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት ዝርከባ ማእከላት ህጻናትን ስድራቤትን ኣቕርቦት ይህባ፤ ንኣብነት፤

  • ንኣዴታት፤ ኣቦታትን ህጻናትን ክፉት ኣኼባታት ።
  • ጉጅለታት ወላዲ-ውሉድ
  • ናይ ወለዲ ኮርሳት
  • ንወሊድ ድልውቲ ንኽትኮኒ ዝሕግዝን ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ኣዋርሕ ምስ ውላድኪ ዝሕግዝን ናይ ቅድመ ሕርሲ ትምህርቲ።
  • ንወለድን ቆልዑን ዝኸውን ሙዚቃን ምንቅስቓስን
  • ሓበሬታን ምኽርን ንወለዲ

ዝርዝር ናይ ኩለን ትካላት ትምህርቲ ስድራቤት፤ ወለድን ህጻናትን ኣብዚ ምርካብ ይከኣል፤
www.familienbildung-in-frankfurt.de

ብዛዕባ ሓለዋ ወሊድን ናይ ወለዲ ሓገዝን ሕቶታት ኣለካ’ዶ?

ኩሉ ዘድልየኪ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓለዋ ወሊድ፣ ናይ ወለዲ ኣበል ከምኡውን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብቲ ፌደራላዊ ሚኒስትሪ ጕዳያት ስድራቤት፣ ኣረጋውያን፣ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝርከብ ናይ ስድራቤት ፖርታል ምርካብ ይከኣል። እቲ ሓበሬታ ብቋንቋታት ቡልጋርያ፤ ጀርመን፤ እንግሊዝ፤ ፈረንሳ፤ ግሪኽ፤ ጣልያን፤ ክሮኤሽያ፤ ፖላንድ፤ ፖርቱጋል፤ ሮማንያን ስጳኛን እዩ።
www.familienportal.de/familienleistungen

ብዛዕባ ናይ ወለዲ ኣበል ሓበሬታን ምኽርን ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣበል ወለዲ ናይ Hessisches Amt für Versorgung und Soziales ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ፤
www.rp-giessen.hessen.de/elterngeld

ብዛዕባ ኣበል ወለዲ፣ ሓለዋ ወሊድን ሓገዝ ወሊድን እውን ምኽሪ ብማእከል ምኽሪ ደቂ ኣንስትዮ Diakonie ይወሃብ እዩ፤
www.diakonie-frankfurt-offenbach/beratungsstelle-fuer-frauen

ናብ መበገሲ ገጽ ንመለስ "ሓበሬታ ወለዲ"

ኣርእስቲ ምረጽ AmkA.Info Online – መምርሒ ሓበሬታ፣ ማእከላት ምኽሪ፣ ኣገልግሎታት

ሕተተና ጥራይ! ማእከል ምኽሪ AmkA.Info

ተወሰኽቲ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ: AmkA.Info ተወሳኺ ሓገዝ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ቴሌፎን፤ 069 – 21 24 15 15

ወይ ድማ ብኢ-መይል ጽሓፍ፤ amka.info@stadt-frankfurt.de

ቋንቋታት ጀርመንኛ፡ እንግሊዝኛን ንዛረብ ኢና።